መምርሒ ኣጠቓቕማ ዌቭማርት (Wavemart)፡ ካብ ምዝገባ ክሳብ ምልጣፍን ምእዛዝን ንብረት
እዚ ኮርስ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይ ዌቭማርት (Wavemart) ኣፕሊኬሽንን ዌብሳይትን ብዝርዝር ዘርድእ እዩ። ተጠቀምቲ ኣካውንት ከመይ ከምዝኸፍቱ፡ መንነቶም (KYC) ኣረጋጊፆም ፓኬጅ ብኸመይ ከምዝገዝኡ፡ ከምኡ'ውን ገዛውቲ፡ መሬትን ተሽከርከርትን ንመሸጣን ክራይን ከመይ ጌርካ ከምዝልጠፍ ብተግባር የርኢ። ብተወሳኺ፡ ዝድለ ንብረት እንተዘይተረኺቡ ብኸመይ ፍሉይ ትእዛዝ (Order) ከምዝቐርብ ይገልፅ።
Course Content
ዌቭማርት (Wavemart) ንገዛውቲ፡ መሬትን ተሽከርከርትን (ንመሸጣን ክራይን) መራኸቢ ፕላትፎርም እዩ። እዚ ኮርስ ኣብ ሓሙሽተ መሰረታውያን ቪድዮታት ዝተመርኮሰ ኮይኑ ነዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ትሕዝቶታት ይሽፍን፡
1. ኣካውንት ምኽፋትን ኣፕሊኬሽን ምውራድን
ዌቭማርት ኣፕሊኬሽን ካብ ፕለይስቶር ወይ ብዌብሳይት (wavemart.et) ኣቲኻ ብኸመይ ከምእትጥቀም፤ ሓዱሽ ተጠቃሚ ብስልኪ ቁፅሪ (OTP ብምቕባል) ወይ ብቐጥታ ብጉግል (Google Sign-In) ኣካውንት ብኸመይ ከምዝኸፍት ብግልፂ የርኢ።
2. መንነት ምርግጋፅ (KYC)ን ፓኬጅ ምዕዳግን ኣብቲ ፕላትፎርም ንብረት ንምልጣፍ ሓላፍነት ንምውሳድ መንነትካ (KYC) ምርግጋፅ የድሊ። እዚ ድማ ብሄራዊ መታወቂያ ወይ ፓስፖርት ከምኡ'ውን ፎቶ (Selfie) ብምእታው ይስራሕ። ቀፂሉ ድማ ነቲ ኣገልግሎት ንምጥቃም ዝሕግዙ ፓኬጃት (ካብ 100 ብር ዝጅምሩ ቤዚክ፡ ፕሮፈሽናል/ቪኣይፒ) ከመይ ከምዝዕደጉን ክፍሊት ብኸመይ ከምዝፍፀምን ይገልፅ።
3. ንብረት ምልጣፍ (ገዛውትን መሬትን) ገዛ፡ መሬት ብኸመይ ፖስት ከምዝግበር፣ ዋጋ፡ ናይ ሊዝ ኩነታት፡ ኣድራሻ (ክልል፡ ዞባ፡ ወረዳ)፡ ግልጋሎት መብራህትን ማይን፡ ስፍሓት ቦታ፡ ከምኡ'ውን ፎቶን ቪድዮን ከመይ ከምዝኣቱ የርኢ።
4. ፍሉይ ትእዛዝ ምቕራብ (Requesting an Order) ሓደ ተጠቃሚ ዝደልዮ ዓይነት ንብረት ኣብቲ ፕላትፎርም እንተዘይረኺቡ፡ ብኸመይ ትእዛዝ ክህብ ከምዝኽእል የርኢ። ዝደልዮ ዓይነት ንብረት፡ ዘለዎ በጀት፡ ከምኡ'ውን ዝደልዮ ከባቢ/ኣድራሻ ብምምላእ ናብ ዌቭማርት ብኸመይ ከምዝሰድድ የረድእ።
5. ተሽከርከርቲ ምልጣፍ መኪና፡ ሞተር ብሽክሌታ፡ ባጃጅ ወይ ናይ ኮንስትራክሽን መሳርሒታት ንመሸጣን ክራይን ብኸመይ ከምዝልጠፍ ይገልፅ። ዓይነት ተሽከርካሪ፡ ዝተሰርሐሉ ዓመተ ምህረት፡ ዋጋ መሸጣ ወይ ክራይ፡ ፎቶታትን ካልኦት መለለዪ ሓበሬታታትን መሊእኻ ምስ ደንብታት ተሰማሚዕኻ ፖስት ብኸመይ ከምዝግበር የርኢ።
ክፍሊ ሓደ
መእተዊን መሰረታዊ ምድላዋትን
ክፍሊ ክልተ
ንብረትን ተሽከርከርትን ምልጣፍ
ክፍሊ ሰለስተ
ንብረት ምድላይን ትእዛዝ ምቕራብን
ተግባራዊ ፈተና
ምሉኣ ርድኢት ናይቲ ሲስተም ከምዘለካ/ኪ ንምርግጋፅ ኩለን ኣብዚ ዝቐረባ ብትክክል ብተግባር ናይ ሙከራ ከይዲ ምፍፃም የድሊ።